ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ትካላት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኢንተርነት ዳግም ይጅምር

Radio Erena: 31 May 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ትካላትን ኢንተርነት ካፈታትን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዳግም ይጅምር ኣሎ።

ኣቐዲመን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝጸንሐን ‘ሞ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ብዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ እዘን ትካላት፣ ዳግም ክረኽባ ተፈቒዱለን እኳ እንተሎ፣ ዋሕዚ ኢንተርነት ግና ገደብ ዘለዎን ንዝተወሰነ ሰዓታት ጥራይ ዝሰርሕን ምዃኑ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ጽኑዕ ቁጽጽር ኢንተርነት ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ ብዝሒ ተጠቐምቲ ካብ 8% ዝሓለፍ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዓውዲ ኣተኵሮም ዝዳለው መጽናዕታት የመልክቱ።

ኢንተርነት ዎርልድ ስታተስ ብዘቕረቦ ኣሃዛዊ ጸብጻብ መሰረት፣ ክሳብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመት፣ ዋሕዚ ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ 0.6% ጥራይ’ዩ ሸፊኑ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፣ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ናይ ዝተጠቕሙ ጠቕላላ ብዝሒ ሰባት ድማ 293, 343 ምንባሩ ጠቒሱ።

በዚ ብዝሒ’ዚ ድማ ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝወሓደ ተጠቐምቲ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር’ያ።

ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሜድያ እንተርኢና ድማ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፣ 21, 900 ተጠቐምቲ ፌስቡክ ጥራይ ተመዝጊቦም።
==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0