ኣመሪካ፣ ንትግራይ ዝተሸመተቶ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፣ ካብ ወደብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምጅማሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 July 2022

መንግስታዊ ትካል ረዲኤት ኣመሪካ USAID ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝሸመቶ ነዳዲ፣ ካብ ወደብ ጂቡት ናብ ኢትዮጵያ ክግዕዝ ከምዝጀመረ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሖ ስምምዕ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 2 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ትግራይ ከእቱ ከምዝተፈቕደሉ ‘ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ትሬሲ ጃኮብሰን ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ብ USAID ዝተሸመተ ነዳዲ፣ ብ26 ሓምለ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ድሕሪ ምርጋፉ፣ ድሮ ብመካይን ተጻዒኑ ናብ ኢትዮጵያ ይግዕዝ ምህላዉ ኣረጋጊጻ።

እቲ ነዳዲ ብዘይዕንቅፋት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ዘለዋ ተስፋ ‘ውን ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ እቲ ኣመሪካዊ ትካል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ደርቂ ዝውዕል ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ምልጋሱ ብ27 ሓምለ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ኣመሪካ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝቀንዐ ሰብኣዊ ሓገዝ ትልግስ እኳ እንተላ፣ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት ፊናንስያዊ ደገፍ ግና ረዲኤት ናብ ትግራይ ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ፣ ምስ ህወሓት ዝርርብ ክካየድን ገበናት ኵናት ዝፈጸሙ ድማ ብሕጊ ክሕተቱን ዝብል ቅድመ ኩነታት ክሳብ ዝትግብር ደው ኣቢላቶ ምህላዋ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0