ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ኣብ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ንዝተመርጸ ዊልያም ሩቶ፣ ሰራዊት ሃገሩ ክስሕብ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 29 August 2022

ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ኣብ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ንዝተመርጸ ዊልያም ሩቶ፣ ሰራዊት ሃገሩ ክስሕብ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ጉጅለ ብቀዳም 27 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሕጹያት ተወዳደርቲ ነበር፣ ክልቲኦም ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኦም፣ ንምትእትታው ሰራዊት ኬንያ ኣብ ሶማል ዕሽሽ ምባሎም ብምግላጽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብዘይቀመ ኩነት ሰራዊቶም ክስሕቡ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኬንያ ኣብ መሬት ሶማል ካብ ዝኣቱ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ኣቑጺሩ፣ ዛጊት ዝኾነ ፍረ ከምዘየምጸአ ዝገልጽ ኣልሸባብ፣ ሕጂ ግን ናብ ሃገሩ እንተዘይተመሊሱ፣ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክፍኑ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ጎረባብቲ ሃገራትን ተደጊፉ ንኣልሸባብ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ጸሪጉዎ ዝጸንሐ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ኲናት ተጸሚደን ምህላወን፣ እቲ ጥሩፍ ጉጅለ በብቁሩብ ሓይሊ ክድልብ ይረአ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣልሸባብ፣ ከምቲ ዶብ ጥሒሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ተመሳሳሊ ስርሒታት ኣንጻር ሰራዊት ኬንያ የዳሉ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፣ ኣልሸባብ ኣብ ከተማታት ኬንያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲን ናይ ዕዳጋ ቢታታን ዝርከቦ ኣርባዕተ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕታት ምክያዱ፣ መዛግብ ታሪኽ’ታ ሃገር የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0