ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ብዕልቕልቕ ንዝተመዛበሉ ግዳያት ዝውዕል ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 29 August 2022

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ብዕልቕልቕ ንዝተመዛበሉ ግዳያት ዝውዕል ሓገዝ ብነፈርቲ ከተጎዓዕዝ ጀሚራ።

ንግስነት ኢማራት ብሰንበት 28 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ግዚያዊ መጽለሊ ቴንዳታት፣ እኽልን ሃለኽቲ ነገራትን ዘጠቓለለ ሓገዝ፣ ብሰለስተ እብረ ካርጎ ነፋሪት ክጎዓዓዝ መደብ ተታሒዙሉ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባታት ብሉ ናይል፣ ካርቱምን ገዚራን ዝርከብ ህዝቢ እቲ ኣዝዩ ዝተሃስየ ምዃኑ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ክባጻሓሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ብሩባ ጋሽ ናይ ኤርትራ ኣቢሉ ዝሓልፍ ወሓዚን፣ ኣብ ክረምቲ ዘጋጥም ዕልቕልቕን ብዝሒ ዝናብን፣ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ዓመታዊ ኣብ ጸገም ከውድቖ ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዝሒ ግዳያት ግና ብዝተዓጻጸፈ ከምዝዛየደ፣ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0