ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንኢትዮጵያ መኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝውዕል፣ ናይ 411 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ

Radio Erena: 03 May 2020

IMFኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (I.M.F.) ንኢትዮጵያ መኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝውዕል፣ ናይ 411 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ።
I.M.F. ብ30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ንህጹጽ እዋን ረዲኤት ኢሉ ዝሰመዮ ናይ 411 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ኢትዮጵያ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብከቢድ እንተተጠቒዓ፣ ክስዕብ ንዝኽእል ናይ ጥዕናን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ቅልውላው ብኣግኡ ንምውጋድ ዝሕግዝ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣብ እዋን መኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ዕዳ ንዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ክቃለለን ካብ ዝተሓርያ ሃገራት ኢትዮጵያ’ውን ተረባሒት ናይዚ ዕድል’ዚ ክትከውን’ያ ኢሉ።
ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮሮና ንምምካት ዘርኣዮ ቅልጡፍን ግብራዊን ስጉምቲ ዝነኣድ’ዩ፣ ድሕሪ ምባል፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ምግታእ፣ መርመራ ምክያድ፣ ትካላት ጥዕና ኣብ ምሕያል ዝኣመሰሉ ስጉምታት ኣብ ምትግባር ዝተራእየ ንጥፈታት እውን ኣመስጊኑ።
ወኪል’ቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ብመንግስቲ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምታትን ብቀረባ ይከታተሎም ከምዘሎ ሓቢሩ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እውን ፋይናንስያዊ ምርግጋእ ንምፍጣር ዝጻወቶ ዘሎ ተራ I.M.F. ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0