ቱርክመኒስታን፣ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ወግዓዊ ደኩመንት’ታ ሃገር ከይጥቀስ ከልኪላ

Radio Erena: 03 May 2020
ብምዕፋን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፣ ድሕሪ ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ተሰሪዓ እትርከብ ቱርክመኒስታን፣ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ወግዓዊ ደኩመንት’ታ ሃገር ከይጥቀስ ከልኪላ።
ጎረቤት ናይቲ ከባቢ 100 ሽሕ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ኮይና ዘላ ኢራን ዝኾነት ቱርክመኒስታን፣ ዛጊት በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘይብላ’ያ ትገልጽ ዘላ።
ኣብ ማዕከናት ዜና ‘ኮሮና ቫይረስ’ ምጥቃስ ብሕጊ ከምዘሕትት እትገልጽ ዘላ ቱርክመኒስታን፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብታ ሃገር ምብጻሕ ቅድሚ ምክያዱ ሒደት መዓልታት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዘግዓዘቶም ራድዮ ፍሪ ዩሮፕ ኣቃሊሓ።
ኣብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ንዝርጋሐን ሓቀኛ ሓበሬታን’ቲ ለበዳ ኣብ ሃገሮም ክገልጹ ኣብ ዝፈተኑሉ ብመንግስታቶም ምፍርራህን ምጉብዕባዕን ይወርዶም ከምዘሎ፣ ኮሚቴ ምጥባቕ ንጋዜጠኛታት ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0