ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ቱኒዝያ ክትተሓባበር ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 17 May 2023

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ቱኒዝያ ክትተሓባበር ምዃና፣ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ማተዮ ፒያንተዶሲ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብ15 ግንቦት ናብ ቱኒዝያ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ቃይስ ስዒድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንንገዲ ኣብ ልዕሊ ዝኣተዉ ዘለዎ ስደተኛታት ንእትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ሞጕሱ።

ቱኒዝያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ንዝበለቶም መብዛሕቶም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾኑ 32 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣሲራ ኣላ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፣ ስደተኛታት ጽዒናን ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተበገሳ ልዕሊ 20 ጀላቡ ከምዝሓዘተ ክትገልጽ እንከላ፣ ኣብተን ጃላቡ ዝነበሩ ልዕሊ 800 ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ኣእትያ።

ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ዘላ ኢጣልያ፣ ምስ ሊብያን ኢትዮጵያውያን’ውን ተመሳሳሊ ዘተ ምክያዳ ይፍለጥ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሓት፣ ማዕበል ባሕሪ ዝሃድኣሉ ወቕቲ ብምዃኑ፣ ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ከይውሕዙ ስግኣት ከምዘለዋ’ያ ኢጣልይ ትግለጽ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ድማ ከምዝጠሓሉን ደሃዮም ከምዝጠፍአን ጸብጻባት የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0