ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ጀነራል ሐሚቲ ወጊኖም ንዝበሎም ኣርባዕተ ጀነራላት ካብ መዝነቶም ሰጕጉ

Radio Erena: 17 May 2023

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ምስ ኣዛዚ ፈጣን ሓይሊ፣ ጀነራል ሓንዳን ዳጋሎ ወጊኖም ዝበሎም ኣርባዕተ ጀነራል ካብ መዝነቶም ከምዝኣለዮም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ክልተ ናይ ሜጀር ጀነራል ክልተ ድማ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ማዕረግ ዘለዎም ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናት፣ ፈጣን ሓይሊ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ዝጽንበረሎ መስርሕ ንምውሕጋዝ ናብቲ ብጀነራል ሐምቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚ ከምዝተመደቡ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፣ እቶም ኣርባዕተ ጀነራላት፣ ዝተዋህቦም ዕማም ኣቛሪጾም ናብ ምዱብ ሰራዊቶም ክጽንበሩ ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ብምንጻግ፣ ምስ ፈጣን ሓይሊ ከምዝወገኑ’ዩ፣ ብግንቦት ዝወጸ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝሕብር።

እቶም ጀነራል ኣብቲ ብጀነራል ሐሚቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሊ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ሒዞም ከምዘለዉ ዝሓበረ ሱዳን ትሪቡን ብወገኑ፣ ሓደ ካብኣቶም ነቲ ሓይሊ ብምውካል ኣብ ጁዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይሳተፍ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ምስዚ ኣብ ዝተሓሓዝ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ንዋና ኣምሓዳራ ሃገራዊ ባንክ፣ ሑሰን ያሕያ ጃንጉል ካብ መዝነቱ ብምእላው፣ ብስም እቲ ፈጣን ሓይሊ ንዝተመዝገበ ናይ ባንኽ ሕሳባት ኩሉ ክድስል ኣዚዙ።

እቲ ጀነራል ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ንሱ ዝመርሖ ፈጣን ሓይሊን ምትእስሳር ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን’ውን ናይ ባንክ ሕሳቦም ክድስክል ኣዚዙ።

ካብ 06 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ጅዳ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን፣ ንሰብኣዊ ረዲኤት መተሓላለፊ ዝኸውን ውሑስ መንገዲ ንምኽፋት ኣብ ዝብል ከምዝተሰማምዐ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ቀዋሚ ስምምዕ ምቝራጽ ቶዅሲ ብምትግባር ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክምለሱ ዝብል ነጥቢ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተዓወተን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0