ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘትዩ

Radio Erena: 09 February 2020
መበል 70 ፍሉይ ዋዕላ ኢጋድ፣ ጎድኒ ጎድኒ’ቲ ንመበል 33 ግዚኡ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካይድ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ተጋቢኡ።
ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ቆንስል ሚኒስተራት ኢጋድ ኣብ ዋዕልኡ፣ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝያዳ ኣተኩሮ ከምዝሃበ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኩሎም ወገናት ደቡብ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ረኺቦም፣ ህዝቢ ሰላማዊ መነባብሮኡ ክገብርን ሃገሩ ክሃንጽን፣ ኢጋድ ተራኡ ከዕዝዝ ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ንኩሎም ወገናት ደቡብ ሱዳን ዝሓቁፍ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዝተዋህበ ናይ ግዜ መቓን ኣኺሉ ክነሱ፣ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ናይ ሰላም ተስፋ ይረኣይ ከምዘየለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኮሚሽነር እቲ ውድብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ብዝኸተምዎ ስምምዕ ሰላም መሰረት፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሰናይ ተበግሶ ይረኣይ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ዘለዉ ጉዳያት፣ ናይ ተቓወምትን መንግስትን ሰራዊት ብሓባር ዘቑምዎ ሃገራዊ ሰራዊት ብዝምልከት እዩ። መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ዕማም ከሳልጥ ሓላፍነት ወሲዱ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ክሳለጥ ኣይከኣለን ከምዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ብዝወልዑዎ ኲናት፣ ነታ ኣብ 32 ዞባታት ተመቓቒላ ዘላ ሃገር ኣብ ሓድሕድ ምቅታል ኣእትዩዋ ጥራይ ከይኣክል፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የመልክቱ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0