ጉዳይ ኣብ መሓዩር ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀሪቡ

Radio Erena: 09 February 2020

AUዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ በብመድረኹ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ንጉዳይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ይስሃቕን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ዝምልከት ቀሪቡ።

ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጉዳይ’ዞም ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ መንግስቲ ኤርትራ ደሃዮም ከፍልጥ ንምጽዋዕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
በበይኑ ሞያ ካብ ዘለዎም ውልቀሰባት ዝተመስረተ ጉጅለ ንጉዳይ ክሲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ 428/12 ብወግዒ ኣብቲ ኮሚሽን ከምዘቕረበ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ዝለኣኾ ጥርዓን፣ ምላሽ ከምዘይረኸበሉ ገሊጹ።

ኣባል ቦርድ እቲ ጉጅለ ብዮርን ቱንባክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ጥርዓን፣ ንኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ገለ ሚኒስተራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደንን እውን ኣቕሪቡዎ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ኾነ ምላሽ ከምዘይረኸበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ኣብ 2017 እዩ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጸብጻቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሽዱሽተ ዓንቀጻት’ቲ ኮሚሽን ጥሒሱ ከምዘሎ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት፣ ዜጋታቱ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ክቕይድን ክስውርን ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግባእ ጸቕጢ ኣይተገብረሉን ክብል’ዮም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ዝኸሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0