ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ናጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ ክህሉ ጸዊዑ

ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ናጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ ክህሉ ጸዊዑ

Radio Erena: 24 August 2017

IGAD

ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት ማለት ኢጋድ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ናጻ ናይ ህዝቢ ምንቕስቓስ ክህሉ ጸዊዑ።

እቲ ዞባዊ ማሕበር ነዚ ዝጸውዐ፣ ካብ 21 ክሳብ 23 ነሓሰ ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ኢንተበ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ’ዩ።

ኢጋድ ክምስረት እንከሎ ሓደ ካብ ዕላማታቱ፣ ናጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ እተን ሃገራት ምዃኑ ዘስመረ ዋና ጸሓፊ እቲ ማሕበር ኣምባሳደር ማሕቡብ ሙዓሊም፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግርጭታትን ዶባዊ ኵናትን ግና ዛጊት ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለ ኣተሓሳሲቡ።

ይኹን’ምበር እዚ’ውን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ዶባትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ዓዲሙ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ናጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣብ መንጎ እዘን ኣባላት ሃገራት፣ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት የወግድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንንግዲን ወፍርን’ውን ኣተባባዒ’ዩ ክብል’ውን ገሊጹ።

ሃገራት ኢጋድ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን’የን።

ኬንያን ኡጋንዳን ንዜጋታት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ክፈቕዳ እንከለዋ፣ ኬንያ ግና ድሒራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝመደበሮም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ኣጽዋርን ምስ ዝነጥፉ ሶማላውያን ይተሓባበር ኣሎ ብዝብል ክሲ፣ ናብ ኬንያ ንዝገሹ ዜጋታት ኤርትራ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝብል ኣዋጅ ከምዘውጽአት ኣይርሳዕን።

ካብዘን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ንዜጋታታ ፓስፖርት እትኽልክልን መውጽኢ ቪዛ (ኤግዚት ቪዛ) እትሓትትን እንኮ ሃገር ከኣ ኤርትራ ጥራይ’ያ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0