ህዝቢ ንምህለላን ጸሎትን ብዘይፍቃድ ከይእክቡ ንመራሕቲ ሃይማኖታት መጠንቐቕታ ይቐርብ

ህዝቢ ንምህለላን ጸሎትን ብዘይፍቃድ ከይእክቡ ንመራሕቲ ሃይማኖታት መጠንቐቕታ ይቐርብ

Radio Erena: 23 August 2017

Asmara Church and Mosque

ህዝቢ ብዘይፍቓድ መንግስቲ፣ ንምህለላን ጸሎትን ከይእክቡ ንመራሕቲ ሃይምኖታት እስልምናን ክርስትናን መጠንቐቕታ ከምዝቐረበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ መጠንቐቕታ ዝቐርብ ዘሎ፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፣ ሕሱም መነባብሮ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ፣ ሰኣን ዝናብ ድማ ብተፍጥሮኣዊ ናይ ደርቂ ሓደጋ ከይጥቃዕ ካብ ምስጋእ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብእኩብ ምህለላን ጸሎትን ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመንቲ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ብሓባር ዘካየድዎ ምህለላን ጸሎትን፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ተቓውሞ ከምዝርእዮ ዝጠቐሱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ምህለላን ጸሎትን ምትእኽኻባት፣ ነቲ ቅድሚ ስርዓት ደርግ ምውዳቑ ዝነበረ ኩነታት ከምዘዘኻኽር ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ ብጉዳይ’ቶም ገና ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዘይተለቁን ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ዘይመልሱን ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ምምዛዝ ሓድሽ ሙፍቲ ኤርትራን ተደጋጋሚ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ።

ድሕሪ ሞት’ቶም ብህግደፍ ዝተመዘዙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ 2015፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብጉዳይ ፓትርያርክ ምስ ህግደፍ ኣብ ምስሕሓብ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ኣብዚ ዓመት’ዚ ድሕሪ ምዕራፎም’ውን ምክትለም ሸኽ ሙክታር ሙፍቲ ኤርትራ ክኾኑ’ዮም ዝብል ግምታት ኣመንቲ ምስልምና እኳ እንተሎ፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ግና ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ገና ውሳኔኡ ኣይሃበን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0