ኢትዮጵያ እተቑሞ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ጅቡቲ ትድኩኖ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 December 2019

ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ፈረንሳ እተቝሞ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጅቡቲ ክድኮን ምዃኑ ዘ ካፒታል ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ መደበሩ ኣብ ባህርዳር ኮይኑ፣ መናሃርያኡ ጅቡቲ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ምስልጣን ጀሚራ ምህላዋ’ውን እቲ ምንጪ ይጠቕስ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መጽሔታት ፈረንሳ- ዤን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ከምዝድኮን ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ንምቛሙ ትሰርሕ እኳ እንተላ፣ መደበሩ ብምስጢር ሒዛቶ ትርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    True Eritrean 4 years ago

    You know
    I am disgusted with Eritrean media – you are the one who told us that Ethiopian naval base will be re-established in Eritrea.
    You told us Eritrea is on sell – Assab has been sold to Ethiopia

    Radio Erena – Are you really Eritrean and stand for Eritrea. Why are working against our national interest