እስራኤል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝመላለሱለን ኣብያተ ክርስትያን ብዝተጓሃሃረ ባእሲ ሓይሎ ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 03 December 2019

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝመላለሱለን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ምክፍፋልን ባእስን፣ ኣብ ህይወት ሰባት ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ።

ካብ ትማሊ 2 ታሕሳስ ኣትሒዙ ዝተኻየደ ምፍሳስ ደም ዘስዓበ ባእሲ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመንን፣ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ክፍትሑ ድሕሪ ምጽውዑን ብስሞም ድማ ጸሎት ክካየድን ድሕሪ ዝቐረበ ጠለብን’ዩ ተጓሃሂሩ።

ኣብቲ ባእሲ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዝኾኑ ዲያቆናትን ምእመንን ብፈኵስን ከቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሮም።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብሰንኪ እቲ ህግደፍን ኣገገልገልቱ ዝኾኑ ጳጳሳትን ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስን ዝወሰድዎ ጓዕጻጺ ስጉምቲ፣ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ማሕዩር ክወጹን ናብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ክምለሱን ዝጽውዕ ብደረጃ ዓለም ዝውድብ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ኣብ ካናዳ’ውን ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ29 ሕዳር፣ ኣብ ኦታዋ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ሓያሎ ከተማታት ካናዳ ዝወሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0