ኢትዮጵያ፤ ‘’ዘተ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብሰንኪ ምትእትታው ኣመሪካ’ዩ ደው ኢሉ’’

Radio Erena: 29 March 2020

ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ብሰንኪ ምትእትታው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደው ከምዝበለ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ሃብቲ ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ዶክተር ስለሺ በቀለ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘተ ዝሰሓበትሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ናይ መተዓረቒ ሓሳብ ስለዝነጸገቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ኣሳላጢት ሃገር ትኸውን፣ ኣብ ስምምዕ ዘይነበረ ናይ ሽምግልና ተራ ብምጽዋታ ምዃኑ ገሊጹ።

‘’ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ከም ተዓዛቢትን ኣሳላጢትን ኮይና ክትሳተፍ እኳ እንተተሳማመዐት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ግና መጀመሪያ ከም ተዓዛቢ፣ ጸኒሑ ከም ሸምጋሊ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳድ፣ ተወዲኡ ንዝመጻና ወረቐት ክንፍርም ኢና ተሓቲትና’’ ክብል እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ናይ መተዓረቒ እማመ፣ ምስቲ ካብ’ተን ዝምልከተን ሃገራት ዝተዋጽኡ ክኢላታት ተክኒክ ዘቕረቡዎ መጽናዕቲ ዘይቃዶ ምዃኑ’ውን ካልእ ኢትዮጵያ ዝሰሓበትሉ ምኽንያት ምዃኑ ሚኒስተር ስለሺ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ልዕሊ ፍርቁ ብምዝዛሙ፣ ኣብ ናይዚ ዓመት ክራማት ብዘዕቅሎ ማይ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ዝተላዕለ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ግብጽን ኢትዮጵያን ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይዓርግ ዳግም ተሰጊኡ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0