ኬንያ፣ ብሰንኪ ውሸባ ኮሮና ቫይረስ፣ ህዝብን ፖሊስን ይጋጨዉ

Radio Erena: 29 March 2020

ፖሊስ ኬንያ፣ ንጸሎት ዝተሃከቡ ህዝቢ ክብትን ኣብ ዝፈተነሉ፣ ግጭት ከምዝተላዕለ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

መንግስቲ ኬንያ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፣ ሰዓታት እቶ እቶን፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን ደው ክብልን ኣዊጁ እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብቀዳም 28 መጋቢት ስሩዕ መደባቶም ከካዪዱ ምውዓሎም እዩ ፖሊስ ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ክልተ ኣቕሽሽት ደናግልን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣመንቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እኳ እንተእተዉ፣ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ነንገዝኦም ከምዘፋነዉዎም ሓቢሩ።

ኬንያ ሓደ ቻይናዊን፣ ክልተ ደቂ ኮንጎን ዝርከብዎም ከባቢ ኣርባዓ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዘለዉዋ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0