‘ኢትዮጵያ፣ ዋጋ መግብታት ብልዕሊ 40% ንሂሩ።’

Radio Erena: 05 January 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ከቢድ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ከምዝፈጠረ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዋጋታት መግቢ ብልዕሊ 40% ከምዝነሃረ ውድብ መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝዘርግሖ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብልዕሊ 34% ከምዝዘቕበበ ብምጥቃስ፣ መጠን ሸርፊ ብር ብመንጽር ናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራ ብ25% ምንቁልቛሉ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ መግቢታት ዝተራእየ ናህሪ ዋጋታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ኣዘኻኺሩ።

መግቢታት ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋታቶም ይንህር ጥራይ ዘይኮነ ዘሎ፣ ኣብ ዕዳጋታት ዝሰኣነሉ ኣጋጣሚታት’ውን እናበዝሐ ምምጽኡ WFP ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምትዕርራይ፣ ኣብ ነዳዲን መጓዓዝያን ወሰኽ ዋጋታት ከምዝገበረ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ናህሪ ዕዳጋታት ንምርግጋእ’ውን ይሰርሕ ከምዘሎ ይእንፍት።

ነዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዳ እትርከብ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ብኵናት ዝዓኑ ዘሎ ልምዓታዊ ትካላትን ንኵናት ዝውዕል ዘሎ ሎጂስቲክስን ኣጽዋርን፣ ካብ ኣውፈርቲን ቱሪዝምን ክትረኽቦ ዝነበራ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ውን ትስእን ኣላ።

እዛ ኣስታት 50 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘለዋ እትግለጽ ኢትዮጵያ፣ ካብ ቻይና፣ ቱርኪን ካልኦት ሃገራትን ንኵናት ዝውዕል ናውቲን ሎጂስቲክስን ትኹምር ስለዘላ፣ ንዝመጽእ ዓመታት ተወሳኺ ዕዳ’ያ ተዋህልል ዘላ ክብሉ ተንተንቲ የተሓሳስቡ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0