ኡጋንዳ፣ ወዱ ንፕረዚደንት ጸሪፍካ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ህቡብ ደራሲ ተኣሲሩ

Radio Erena: 05 January 2022

ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ጸሪፍካ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ፣ ህቡብ ደራሲ ኣብ ካምፓላ ከምዝተኣስረ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ካካዌንዛ ሩኪራባሻይጃ ዝተባህለ ደራሲ፣ ነቲ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎን ንኣቡኡ ብምትካእ መራሒ ኡጋንዳ ከምዝኸውን ዝንገረሉን፣ ወዲ ፕረዚደንት፣ ‘ከሳዕ፣ መንጸርጸሪ’ ክብል ከምዝጸረፎ’የን እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ሓይልታት ጸጥታ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ደራሲ ብምምጻእ፣ እናሃደዱ ናብ ማእሰርቲ ከምዝወሰድዎ ንጠበቕኡ ብምጥቃስ እተን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ካካዌንዛ፣ በታ ኣብ 2020 ዝደረሳን፣ The Greedy Barbarian ወይ ድማ እቲ ስሱዕ ባርባራዊ ዘርእስታ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብመለኽቲ ንዝፍጸም ብልሽውናን ዝርገትን እትገልጽ ልቢ ወለዳዊት መጽሓፍ’ዩ ብዝያዳ ዝፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኡጋንዳ ካብ 1986 ኣትሒዙ ን36 ዓመታት ንኡጋንዳ ዝመርሕ ዘሎ ወዲ 77 ዓመት፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ተሪር ነቐፌታ ከምዝውርውር’ውን ይዝረበሉ።

በዚ ደራሲ ተጸሪፉ ዝብሃል ዘሎ ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣዛዚ ናይቲ፣ ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስቲን ኣገደስቲ ትካላት መንግስቲን ንዝተዋፈረ ተወርዋሪ እዚ’ዩ።

ወዲ 47 ዓመት ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፣ ኣቡኡ ብሕማም ይኹን ብሞት ምስ ዝእለ፣ ንዕኡ ብምትካእ፣ ንኡጋንዳ ክመርሕ ኣብ ልምምድ ከምዝርከብ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0