ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ብተጓሃሃር ናይ ብሄር ግጭት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 12 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ፣ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ብዝተጓሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ 2 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተጎሃሃረ ግጭት ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን’ዮ ተኻይዱ።

እቶም ክልተ ግዳያት ተወላዶ ኦሮሞ ምዃኖም ተማሃሮ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ብማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ጠቒሶም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ብስደንኪ እቲ ግጭት ተሰናኺሉ ከምዘሎን ምምሕዳር እቲ ዪኒቪርስቲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብን ተፈሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስታት፣ ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ሓያሎ ተማሃሮ ሞይቶም’ዮም።

ክልል ትግራይ፣ ንተወላዶ እቲ ክልል፣ ካብዚ ኣብ ብሄር ዘተኮረ መጥቃዕትን ግጭታትን ንምድሓኖም፣ ተማሃሮ ኣብ ክልል ኣማሓራ ናብ ዝረከባ ዩኒቨርስታት ከምዘይልእኽ ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0