ሪያድ፣ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 12 November 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን፣ ን25 ሕዳር ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ዋዕላ፣ ረብሓታት ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ንምሕላው ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ።

ነዚ ዋዕላ ንምድላው፣ ሚኒስተራት ሕርሻ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ካብ 9 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ካይሮ ኣኼባ ከምዘካየዱ’ውን ተፈሊጡ።

ስዑዲ እትርከበን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሕርሻ ገዚፍ ወፍሪ ከካይዳ ክምድባ እንከለዋ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ሰረሕተኛታት ናብ ሃገራት ዓረብ ናይ ምልኣኽ ድሌት ከምዘለወንይፍለጥ።

እዚ ዋዕላ፣ ብፍላይ ነተን ናይል ዘዋስነን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝኾነት ግብጽን ካልእ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ሓያሎ ሃገራት ዓረብ፣ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጥታን ወትሃደራውያን ምትሕግጋዛት ኣለወን።

ኣብ ሕዳር 2016’ውን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ከተማ ማላቦ ተመሳሳሊ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ተኻይዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0