ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ኣጣዩ፣ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 200 ከምዝበጽሕ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ኣጣዩ፣ ኣብ 16 ሚያዝያ፣ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 200 ከምዝበጽሐ፣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ሰሜን ሸዋ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት መንግስቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበሉን።

ይኹን’ምበር ኣብ ከባቢ ኣጣዩ ጥራይ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ክጥቀስ ጸኒሑ።

ሮይተርስ ምስቲ ፍጻሜ ቅርበት ንዘለዎም ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ ብዝሒ ግዳያት ብልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ተወላዶ ኦሮሞ ብብዝሒ ኣብ ዝነብርዎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ክቃጸል እንከሎ፣ ኣሽሓት’ውን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0