ኢትዮጵያ፣ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 July 2021

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቀዳም 10 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ፣ ሰልፊ ብልጽግና ካብ 436 መናብር ፓርላማ ን410 መናብር ብውናን ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።
ኣደ ወንበር’ቲ ቦርድ ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብ እዋን ውድድር ይኹን እዋን ምርጫ ዝተፈጥሩ ጸገማት ምንባሮም፣ እንተኾነ ግና ቦርድ ምርጫ ካብ ስልጣንን ዕማማቱን ወጻኢ ብምዃኖም ክእርሞም ከምዘይከኣለ ኣመልኪታ። ኣብ እዋን ምርጫ ዝተራእየ ብዝሒ ኣድማጺን፣ ምኽባር ጸጥታን ግና ካብ ትጽቢታ ንላዕሊ ዝምስገን ከምዝነበረ ኣመልኪታ።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ነቲ ብዕለት 21 ሰነ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ጸቕጢ፣ ናይ መጀመሪያ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ክብል ገሊጹዎ።
እንተኾነ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ማሕበረሰብ ዓለም፣ ሓያሎ ካብ ተወዳደርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት’ታ ሃገር ዓሌታዊ ግጭትን ኲናትን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ተኻዪዱ ክበሃል ኣይከኣልን ኣዩ ክብሉ ኣቐዲሞም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
መራሒ ናይ ሓደ ካብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ውድብ ኢዜማ ዝኾነ ብርሃኑ ነጋ፣ ኣብ እዋን ምርጫ ብምልሻታትን ዕጡቓት ሓይልታትን ተኻዪዶም ካብ ዝበሎም ምፍርራሃትን ዕንቅፋታትን ኣብ ልዕሊ ኣድመጽቲ፣ 207 ጥርዓናት ኣቕሪቡ’ዩ።
ብሰንኪ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ሎጂስቲካዊ ቀረባትን ምርጫ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ብሕጂ ክካየደሎም ምዃኑ ኣደ ወንበር’ቲ ምርጫ ትገልጽ። በዚ ምኽንያት ከኣ ገለ ወናብር ፓርላማ ንዘይተወሰነ እዋን ጥርሑ ክጸንሕ እዩ። ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዞባታት’ታ ሃገር ምርጫ ኣይተኻየደን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0