ባይቶ ጸጥታ፣ ንግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ዘሰሓሕብ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ዘትዩ

Radio Erena: 09 July 2021

ባይቶ ጸጥት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ዘትዩ።

እቲ ባይቶ፣ ብሓሙስ ኣኼባ ዘካየደ፣ ኢትይጵያ፣ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ከምዘካየደት ንግብጽን ሱዳንን ድሕሪ ምሕባራ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዝቲ ብተደጋጋሚ ክጠልባ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን፣ ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ በይናዊ ተበግሶ ተቓዊመንኦ ኣለዋ።

ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዘተ ክምለሳን፣ በይናዊ ስጉምታት ካብ ምውሳድ ክቑጠባን ብሰሉስ መልእኽቲ ዘሕለፈን ባይቶ ጸጥታ፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ፣ ንመርገጺ ግብጽን ሱዳንን ዝድግፍ ደብዳቤታት ክበጽሖ ከምዝጸንሐ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ትማሊ ዘካየዶ ኣኼባ’ውን፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሃገራት ክቕጽል ዘለዎ እምነት ገሊጹ ኣሎ።
================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0