ኢትዮጵያን ኡጋንዳን፣ ብመንገዲ ኢጋድ ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ንምርግጋእ ብሓባር ክሰርሓ ይሰማምዓ

Radio Erena: 06 March 2017

Uganda Ethiop

ኢትዮጵያን ኡጋንዳን፣ ብመንገዲ ኢጋድ ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ንምርግጋእ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝተሰማምዓ ጋዜጣ ኒው ቪዥን ናይ ኡጋንዳ ገሊጻ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትይጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዘተ’ዩ።

ኢጋድ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ተቓዋሚኡን ናብ መኣዲ ዘተ ንምምላሶም ዘካየድዎ ጻዕርታት ክዕወት እኳ እንተዘይክኣለ፣ ጸጥታን እታ ሃገር ንምውሓስ ጻዕርታት ኢጋድ ገና ክቕጽል ምዃኑ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ርክቦም የመልክቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለማርያም እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ።

ሓንቲ ካብተን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ዝኾነት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራ ንምውንጃል ንኢጋድ ከም መሳርሒ ትጥቐመሉ ኣላ ክትብል ዝሓለፈ ወርሒ ምውቓሳ ይዝከር።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብቲ ናይ ካምፓላ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ንኢትዮጵያ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ናይልን ተጠቓምነቱን’ውን ከምዝዘተዩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካምፓላ ሓር ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ተመሳሳሊ ዝርርብ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

======================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0