ሶማልያ፣ ኣብ ክልተ መዓልታት 110 ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ሞይቶም

Radio Erena: 06 March 2017

Somalia

ኣብ ሶማልያ ተኸስቲቱ ብዘሎ ደርቂ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ 110 ሰባት ከምዝሞቱ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቀዳም 4 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዘን 48 ሰዓታት፣ ብሰንኪ ዓጸቦን ደርቂ ዘስዓቦ ሕማምን መብዛሕቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 110 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ኻይረ ምስ ኮሚተ ምምካት ሓደጋ ደርቂ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ፣ ሞት ናይ ልዕሊ 100 ዜጋታት እታ ሃገር ዘርድአ።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት፣ ህጹጽ ናይ ደርቂ እዋን ኣዊጁ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደ ደርቂ፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ሰባትን ጥሪትን ሓደጋ ሞት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ’ዩ ኣህጉራውያን ትካላት የመልክታ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል’ውን ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ከምዝሞታ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ምሕባራ ይዝከር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0