ን29 ዓመታት ዝተኣሰረ ኤርትራዊ ሓረበኛ ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ

Radio Erena: 05 October 2020

ኣብ ታሪኽ ናጻ ኤርትራ፣ ንፍትሒን ሕጊን ብምጽዋዕ ካብ ዝተኣስሩ ሓረበኛታት ቀዳማይ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ገዲም ተጋዳላይ ሓርነት፣ ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ፣ ናብ ማእሰርቲ ካብ ዝኣቱ፣ ጽባሕ 6 ጥቅምቲ 2020፣ መበል 29 ዓመቱ ከቑጽር’ዩ።

ጀነራል ቢትወደድ፣ ንፍትሒ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ታሪኹ፣ ኣብቶም ድሕሪ ምእሳሩ ዝተወልዱ ንኣሽቱ ወለዶ’ውን ከይተረፈ ደሚቑ ዝርከብ ዘሎ፣ ብትብዓቱን ንሓቒ ደው ምባሉን ዝተፈልጠ ሓርበኛ’ዩ።

ጀነራል ቢትወደድ፣ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣስረ’ዩ።

ብምኽንያት መበል 29 ዓመታት ማእሰርቱ፣ ድማ ኣብ ካናዳ ብስሙ፣ ቢትወደድ ፋውንደሽን ዝተሰምየ፣ ሓደ ማሕበር ቆይሙ ኣሎ።

ንዕላማን ንጥፈታትን እዚ ማሕበር ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ተኸታተሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ንተጀሚሩ ዘሎ መደብ ሰናይ ምጅማር ይግበሮ ከማካትኩም ኮይነ እንተዘይተዋሳእኩ ዓቅመይ ዘፍቅዶ ኣብ ምጉስጋስን ኣባልነት ምሓዝን ክህሉየ፣
    ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ዕውት ክከውን እግዝኣብሄር ይሓግዝ ፍቅርን ሰላምን ይምነ።