ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዳወብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ብሄረ ቤጃ፣ ንናጽነት እቲ ዞባ ጸዊዖም

Radio Erena: 06 October 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ብሄረ ቤጃ፣ ኣብ ከተማ ሲንካት ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ፣ ንምንጻል ምብራቕ ሱዳን ከምዝጸውዑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ክኸውን ብመንግስቲ ሱዳን ዝተመዘዘ ካብ ቀቢላ ቤን ዓምር ዝኾነ ሳሊሕ መሓመድ ሳሊሕ ዘለዎም ተቓውሞ ደጊሞም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንርእሰ ውሳኔ ዞብኦም ከምዝጣበቑ ኣነጺሮም።

እቲ ካብ 27 ክሳብ 29 መስከረም ዝተኻየደ ናይ ሳልስቲ ዋዕላ ዓበይቲ ዓዲ ቤጃ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽቲ ብሄረ ቤጃ፣ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንድሌታት እቲ ብሄር ወኪሉ ክዋሳእ ተመዚዙ።

ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ዝተኻየደ ምኽታም ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ሱዳን፣ ንጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ከምቲ ዝግብኦ ቆላሕታ ዝሀበ ከምዘይኮነ ብምጥቓስ ዓበይቲ ዓዲ ቤጃ ነጺጎሞ’ዮም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኮይኑ ዝተመደበ ሳልሕ መሓመድ ሳልሕ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝመበቆሉ፣ ሓደ ካብ ቀቢላታት ትግረ ዝኾነ ቤኒዓመረታይ ብምዃኑ ከምዘይውክሎም’ዮም ዓበይቲ ዓዲ ቤጃ ዝጠቕሱ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0