ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦምሓጀር – ሑመራ ተኸፊቱ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦምሓጀር – ሑመራ ተኸፊቱ

Radio Erena: 08 January 2019

omhajer

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦምሓጀር- ሑመራ ብ7 ጥሪ ተኸፊቱ።

ነቲ ዕጹው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶብ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መሪቖም ከፊቶሞ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ክርከቡ እንከለው፣ ኣሽሓት ህዝቢ’ውን ካብን ናብን ክልቲኡ ጎረባብቲ ዓድታት ተበጻጺሑ።

 

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝጀመርኦ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም፣ ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ዶባተን እኳ እንተኸፈታ፣ እቲ ናብ ክልል ትግራይ ብቀጥታ ዘእቱ መስመራት ዓዲ ዃላ- ራማን ሰንዓፈ- ዛላምበሳን ግና፣ ፍሉይ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ንዘለዎም እንተዘይኮይኑ፣ ንካልእ ዕጹው ኮይኑ ኣሎ።

ብዝያዳ ናብ ወደብ ዓሰብ ዝቐንዐ መስመር ዓሰብ- ቡሬ’ውን ክፉት’ዩ ዘሎ።

ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ፣ ናብን ካብን ክውሕዝ’ዩ ተራእዩ።

እንተኾነ፣ ሕጋዊ ስምምዓት ዘይሓለወን ንህዝቢ ብዝግባእ ዘይተሓበረን፣ ብድሌት መራሕቲ ጥራይ ዝኽፈትን ዝዕጾን ዶባት፣ ነባሪ ሰላምን ሰናይ ጉርብትና ክልቲኡ ህዝብታትን ከውሕስ ኣይክእልን ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0