ብሰንኪ ምትእትታው ህግደፍ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሳልሳይ ዓመታ ብዘይ ፓትርያርክ ትምራሕ ኣላ

ብሰንኪ ምትእትታው ህግደፍ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሳልሳይ ዓመታ ብዘይ ፓትርያርክ ትምራሕ ኣላ

Radio Erena: 08 January 2019

orthodox

ድሕሪ ሞት ናይቶም ብህግደፍ ዝተሓርዩ ፓትርያርክ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብዘይ ፓትርያርክ ትምራሕ ኣላ።

ሕጋዊ ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ነዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ስለዝርከቡ፣ እታ ቤተ ክርስትያን ካብ ሕግን ስርዓትን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ብህግደፍ ብዝተሓርዩ ኣቡናት ትካየድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑደት ዘካየዱ እዞም ናይ ህግደፍ ኣቡናት፣ ብዛዕባ ሃለዋት ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮንስን ሕጋውነት ናይቲ ብህግደፍ ዝተመርጹ ኣቡናትን ብዝምልከት በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቐረበሎም ኣይርሳዕን።

 

እቶም ኣቡናት፣ ኣብዚ ቀረባ፣ ብዛዕባ ኣቦና እንጦንዮስ ዘሐጉስ ብስራት ክትሰምዑ ኢኹም ዝብል ካብ ናይ ካድራት ህግደፍ ዘይፍለ መደረ ብምስማዕ ንኣመንቲን ካህናትን እታ ቤተ ክርስትያን ክሽፍጥዎም ከምዝተሰምዑ’ውን ይዝከር።

ህግደፍ፣ ዕርቂ ብዝብል ጉልባብ፣ ነቶም ንልዕሊ 13 ዓመታት ሓይርዎም ዝርከብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ምስ ህዝቢ ከምዝራኸቡ እኳ እንተገበረ፣ ቃለ ቡራኬ ከይህቡ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት እታ ቤተ ክርስትያን ከይርከቡ ግና ከልኪልዎም ምህላዉ ይፍለጥ።

ድሕሪ ሞት ሙፍቲ ኤርትራ፣ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን፣ ኣብ ግንቦት 2017 ‘ውን፣ ብሰንኪ ምትእትታው ሃማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ኣውቓፍ ሕጋዊ ሙፍቲ ክረቁሕ ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

ብዘይ ሕጋዊ ሙፍቲ ዝርከብ ኣውቓፍ እስላም ናይ ኤርትራ፣ ብህግደፍ ብዝተመርጸ ሸኽ ሙክታር’ዩ ዝመሓደር ዘሎ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0