ንኣባላት ሰራዊት ኣእማን ብምስንዳው ኣጥቂዕኩም ተባሂሎም ንሰለስተ ዓመታት ዝተኣስሩ መንእሰያት ኣባሻውል ተፈቲሖም

Radio Erena: 15 October 2019

ንኣባላት ሰራዊት ኣእማን ብምስንዳው ኣጥቒዕኩም ብዝብል ክሲ: ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣትሒዞም: ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓላ: ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ተኣሲሮም ዝጸንሑ: ልዕሊ 20 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣባሻውል ትማሊ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ ተፈቲሖም::

ተገፊፎም፣ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት፣ ኩርመናዕ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክተዓለሙ መንእሰያት፣ ብሰንበት 03 ሚያዝያ 2016፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ከባቢ ዓሰብ እናምርሑ እንከለዉ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሓያሎ መንእሰያት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ሬድዮ ኤረና ኣብ እዋኑ ከምዘቃለሐት ይፍለጥ።

ህዝቢ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ድማ፣ ነቶም ነተን መካይን ብምዕጋትን፣ ነቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ተዓላሞ ኣብ ምትሕብባርን ተዋፊሩ ብዝብልን ናብ ሰራዊት እምኒ ብምድርባይ መጥቃዕቲ ፈጺሙን ብዝብል፣ ሓያሎ ነበርቲ ከባቢ ኣባሻውል ተኣሲሮም።

ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተጨቓጪቖም ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ዓሰብ ዘምርሑ ዝነበሩ ተዓላሞ፣ ካብ ከባቢ ማይ ተመናይ ኣትሒዞም እናዘለሉ ክሃድሙ ከምዝጀመሩን፣ ካብ ባር ትብለጽ ክሳብ ማይ ኣባሻውል ኣብ ዘሎ ከባቢታት ከኣ እቲ ህድማ ብብዝሒ ምንባሩን ዘሊሎም ክሃዱም ካብ ዝፈተኑ ክልተ መንእሰያት ብመኪና ተረጊጾም ህወይቶም ከምዝሓለፈ’ውን ኣይርሳዕን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0