ትካል ግብረ ሰናይ ፊንላንድ፣ ልዕሊ 1400 ኤርትራውያን ብስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣሰልጢኑ

Radio Erena: 14 October 2019

ሓገዝ ቤተ ክርስትያን ፊን ወይ ድማ Finn Church Aid፣ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፍ ዘሎ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ፊንላንድ፣ ልዕሊ 1400 መማህራን ብስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምዘሰልጠነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሃይማኖታዊ ትካል ግብረ ሰናይ፣ ኣብ 2018፣ 130 ካልኦት ብሞያዊ ብቅዓት ምምህርና ከምዘሰልጠነ ገሊጹ።

ሸውዓተ ካብኣቶም ናብ ፊንላንድ ተላኢኾም ስልጠና ዝወሰዱ’ዮም።

እቲ ብመንግስቲ ፊንላንድ ዝምወል ትካል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ኣብ ስልጠና መማህራን ጽሙማንን፣ ንጽሙማን ዝውዕል ናዊቲ ኣብ ምድላውን ይነጥፍ ከምዘሎ ይሕብር።

ዛጊት 35 ኣብ ስልጠና ከምዝተሳተፉ ብምርግጋጽ፣ ዳርጋ ኩሎም ናብ ምምህርና ተዋፊሮም ምህላዎም ኣገንዚቡ።

ን12 መማህራን ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ድማ ተወሳኺ ስልጠና ሂቡ።

Finn Church Aid ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊርዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ካብተን 187 ሃገራት ብደረጃ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣብ መበል 177 ከምእትርከብ ብምምልካት፣ እዚ ድማ፣ ብሰንኪ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ፣ እኹል ብዝሒ መማህራን ዘይምህላውን፣ ትሑት ብቅዓት መማህራንን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ፊንላንድ ካብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ብመንግዲ እዚ ሃይማኖታዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣቢሉ፣ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ምዕባይ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት፣ ከም ኩሉ ‘ቲ ካልኦት ጽላታት፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ’ውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን የጋጥሞ ምህላዉ ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ንመማህራንን ዘተባብዕ ኩነታት ብዘይምህላዉን ካልእን ተደማሚሩ፣ ክብሪ ሞያ ምምህርና ባይታ ዘቢጡ፣ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቀለ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0