ንህዝባዊ ናዕቢ ኣልጀሪያ ዝመርሑ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ምርጫ ክካየድ ጠሊቦም

Radio Erena: 10 July 2019

ንህዝባዊ ናዕቢ ኣልጀሪያ ዝመርሑ ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፣ ኣብታ ሃገር ናጻ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ጸዊዖም።

በርጌሳውያን ማሕበራት ኣልጀሪያ ብቀዳም 6 ሓምለ ኣብ ዘካየዱዎ ዋዕላ፣ ህዝቢ ኣልጀሪያ ንቡተፈሊቃ ካብ ስልጣኑ ዝኣለዮ መራሕቱ ባዕሉ ክመርጽ ስለዝደለየ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ጸዊዖም።

ድሕሪ ምእላይ ቡተፈሊቃ፣ ግዚያዊ መንግስቲ ኣልጀሪያ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ’ዩ ምርጫ ክካየድ መዲቡ ኔሩ። እንተኾነ ንመሪሕነት ነብሶም ዝሓጸዩ ተወዳደርቲ ‘ብቕዓት የብሎምን’ ተባሂሎም ካብ መስርሕ ምርጫ ስለዝተገለፉ፣ እቲ ምርጫ ክናዋሕ ከምዝኸኣለ’ዮም ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝገልጹ።

ግዚያዊ ፕረዚደንት ዓብደልቃድር ቤን ሳላሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ምጽዉዑ ይዝከር። እንተኾነ ኣብቲ ዝወደቐ ስርዓት ሰበስልጣን ዝነበሩ ውልቀሰባት ገና ኣብ ስልጣን ስለዘለዉ፣ ብገበን ንዝሕተቱ ምቕያድ፣ ቀሊል መስርሕ ከምዘይከውን ይግመት።

ብኻልእ ወገን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ነበር ሰኔተር ጃመል ዓበስ፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዘይሕጋዊ ውዕላት ምፍራም፣ ገንዘብ ህዝቢ ምጥፍፋእ፣ መንግስታዊ ደኩመንታት ምስናዕ፣ ወዘተ… ዝብሉ ክስታት ተመስሪቱዎ እዩ ተቐዪዱ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ኣልጀሪያ ንቡተፈሊቃ ድሕሪ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ኣሕመድ ጋይድ ሳላሕ፣ ንኩሎም’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ብገበን ዝተቖማጥዑ ሰበስልጣናት ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ምዃኑ ቃል ምእታዉ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0