ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፣ ምስ መላፍንቱ ዕጡቕ ሰራዊት ሱዳን ርክብ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ

Radio Erena: 10 July 2019

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፣ ምስ መላፍንቱ ዕጡቕ ሰራዊት ሱዳን ርክብ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ።

ኣብቲ ርክብ ንምስታፍ ብሚኒ ሚናዊ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ እውን ናብታ ከተማ ኣትዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ’ቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝርርብ ክካየደሉ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ወግዓዊ ስነስርዓት ምፍርራም እውን ክካየድ እዩ።

እቲ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ዝካየድ ርክብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሱዳን ኣብቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሳተፉሉ መንገዲ ንምንዳይ፣ ከምኡ’ውን ቅድሚ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቱ ዝቐውም ካቢኔ ዘተ ክካየደሉ እዩ።

ካብ ከተማ ካርቱም ዝመሓላለፍ ዘሎ ዜና ከምዘነጽሮ፣ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝቐርብ ኣፈናዊ እማመ ዛጊት ኣይተዛዘመን ዘሎ። እቲ ንዝሓለፈ ሰኑይ ክቐርብ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ እማመ ኣብ ዝተወዳኣሉ ንኣውሓስቲ ሰላም ማለት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ክርከብ እዩ።

ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፣ ነዚ ምስ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ንህዝቢ ንምፍላጥ ኣብ መላእ እታ ሃገር ጎስጓስ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ካርቱም ዝተፈነወ ዜና የነጽር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0