ናይ ዝተማህርሉ ምስክር ወረቓቕቲ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር፣ ዝኾነ ዶኩመንት ከይወሃቦም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ናይ ዝተማህርሉ ምስክር ወረቓቕቲ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር፣ ዝኾነ ዶኩመንት ከይወሃቦም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: 02 November 2017     

min_educationናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእን ክልተ ካብ ሚእቲ ብምኽፋልን ፣ ከም ዲፕሎምን ዲግርን ዝኣመሰለ ናይ ዝተማህርሉ ምስክር ወረቓቕቲ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር፣ ዝኾነ ዶኩመንት ከይወሃቦም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

እዚ ብዳይረክተር ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብርጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ፣ ዝኾነ ይኹን ተማሃራይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር፣ ምስክር ወረቐት ከይወሃቦን ናብ ካልእ ዩኒቨርሲታት ከይሰጋገረሉን ዝብል’ዩ።

ዕላማ’ቲ ነቶም ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሖም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ክልተ ካብ ሚእቲ ኣብ ምኽፋል ዝርከቡ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር፣ ደኩመንታት ከይወሃብን ከይሰጋገርን ዝእግድ ትእዛዝ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ብርጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ንዶክተር ታደሰ መሓሪ ብምትካእ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዳይረክተር ጀነራል ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮይኑ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተመዚዙ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ኤርትራ ምጽራይ ዋንነት መንበሪ ኣባይቲ፣ መሬትን ትካላትን ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ስድራቤታት ብሰንኪ ጉዳይ ምኽፋል 2 ካብ ሚእቲ ተሰናኺለን ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ብዘውጽኦ መምርሒ መሰረት፣ ምጽራይ ዋንነት ኣብ ዝካየደሉ፣ ኣብ ውርሻ ንብረት ዝኣትዉ ኣባላት ስድራቤት፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እንተኾይኖም ካብ ዘለዎ ኣሃዱ ናይ ድጋፍ ወረቐት ከምጽኡ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ እንተኾይኖም ድማ ናብ ኤምባሲታት ክልተ ካብ ሚእቲ ናይ ዝኸፈልዎ መረጋገጺ ሰነድ ክልእኩ ዝጠልብ’ዩ።

ሓያሎ ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ሕጋዊ ኣይኮነን እናበላ ስጉምቲ ክወስዳ ምዃነን ኣብ ዘጠንቕቓሉ ዘለዋ ግዜ፣ እቲ መንግስቲ፣ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ወይ ድማ ብመንገዲ ወከልቶም ኣቢሎም ናብተን ተቓወሞ ዘይመጸን ሃገራት ክልእክዎ’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

ነዚ ብግቡእ ንምቁጽጻር ድማ፣ እቲ መንግስቲ ከም ምሕዳስ ዋንነት ትካላት፣ ምጽራይ ዋንነት መሬት፣ ኣባይትን ካልእ ንብረትን ዝኣመሰለ ሜላታት ኣተኣታትዩ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት የገንዝቡ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0