ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ተቓውሞ ከይጎሃሃር ዝሰግአ መንግስቲ ጽኑዕ ምክትታልን ሓለዋን የካይድ

ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ተቓውሞ ከይጎሃሃር ዝሰግአ መንግስቲ ጽኑዕ ምክትታልን ሓለዋን የካይድ

Radio Erena: 02 November 2017

Asmara Mosque

ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ተቓውሞን ናዕብ ከይጎሃሃር ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን መሳጊድ ኣስመራ ጽኑዕ ምክትታልን ሓለዋን የካይድ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኣኽርያ ዝርከባ መሳጊድ፣ ስቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ኮለላን ከምዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ’ቲ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣብ መላእ ሃገር ተመሳሳሊ ሰልፍታት ከይጎሃሃር ዝሰግአ እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ሰራዊት ኣዋፊሩ ምህላዉ ይሕበር።

እቲ ብሰሉስ ብ31 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ጽዑቕ ቶኽሲ ብምኽፋት እኳ እንተበተኖ፣ እቲ ተቓውሞ ገና ኣብ ህዝቢ ተደጕሉ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ነቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምብታን መንግስቲ ኤርትራ ብዝኸፈቶ ቶዅሲ ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖ ወገን እኳ እንተዘየለ፣ ኣብቲ ዕለት እቲን ንጽባሒቱን ሓይሎ መማህራንን፣ መንእሰያትን ወለድን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ብተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ፣ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ነቲ ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘይጻወር መንግስቲ ኤርትራ፣ ስንባደን ሻቕሎትን ፈጢርሉ ምህላዉ ሓያሎ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናት ይሰማምዑ።

ከም ናይ ስንኩላን ማይ ሓባር፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ እሱራትን ተዓላሞን ኩርመናዕ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ቅነ ድማ ብስም ተማሃሮ ዓድ ሓሎ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ዘካየድዎ ዝኣመሰለ ተቓውሞታት፣ በብእዋኑ ክርኣይ እኳ እንተጸንሐ፣ መብዛሕቶም ኣብ መዓስከራትን ወትሃደራዊ ማእከላትን ስለዘጋጥሙ እቲ መንግስቲ ብምስጢር ክዓብጦም ሓጊዝዎ’ዩ።

እዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ብተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ዝተበገሰ ተቓውሞ ግና ናጻ ኤርትራ፣ ብዓይነቱን ተበግስኡን ፍሉይ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ክነብር ምዃኑ እቶም ወገናት ይገልጹ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0