ተቓወምቲ የመን፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ወትሃደራት ከምዝማረኹ ገሊጾም

ተቓወምቲ የመን፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ወትሃደራት ከምዝማረኹ ገሊጾም

Radio Erena: 20 Januray 2015

Merce

ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ተቓወምቲ ሑቲ ብውሕዱ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወትሃደራት ከምዝማረኹ ይግለጽ ኣሎ።

መደበር ቴሌቪዥን ኢራን ፕረስ ቲቪ፣ ንማዕከናት ዜና የመን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ደቡባዊ የመን፣ ዞባ ማዕሪብ ኣብ ዝርከብ ኣል ኮላ ኣብ ዝተባህለ ጎቦታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ተቓወምቲ የመንን ብስዒዲ ዓረብ ዝርምርሑ ናይ ግዳም ሓይልታትን’ዮም ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወትሃደራት ተማሪኮም።

እተን ማዕከናት ዜና፣ ኣብቲ ግጭት ሓያሎ ካብ ዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን፣ ሓደ ኢትዮጵያን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ዕሱባት ተማሪኾም ከምዘለዉ ካብ ምሕባር ሓሊፈን ዝርዝር ሓበሬታ ኣየቕረባን።

 

ኢትዮጵያ፣ ንመንግስቲ የመን ከምእትድግፍ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትእትታው ግና ንምድጋፉ ይኹን ንምኹናኑ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ምዝራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን’ውን ከምዘይኮነት ይፍለጥ።

እዚ ብተቓወምቲ ሑቲ ከምዝተማረኸ ዝግለጽ ዘሎ ኢትዮጵያዊ’ውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላእከ ዘይኮነ ስዑዲ ዓረብ ብገንዘብ ካብ ዝዓሰበቶም ኣማኢት ናይ ወጻኢ ሃገራት ዜጋታት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ኣብ የመን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ካብ ኮሎምብያን ካልኦት ሃገራትን ዑስባት ኣዋፊሩ ኮምዘሎ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ንኽስለፍ ብደረጃ ሃገር ብወግዒ ናብ የመን ሰራዊተን ካብ ዝልኣኻ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ጥራይ’የን።

ኤርትራን ጅቡቲን’ውን ኣባላ’ቲ ኪዳን እኳ እንተኾና ሰራዊተን ናብ የመን ከምዝልኣኻ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ዛጊት ኣይተረኽበን።

ይኹን’ምበር ኤርትራ እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ፣ ንገማግም ባሕራ ክጥቐም ኣብ ርእሲ ምፍቃዳ፣ ኣማኢት ወትሃደራት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ኣብ ምስልጣን ተዋፊራ ምህላዋ’ውን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የረድኡ።
=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0