ሶማል ኣምሳያ ናይቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ ካብ ስዑዲ ዓረብ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

ሶማል ኣምሳያ ናይቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ ካብ ስዑዲ ዓረብ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

Radio Erena: 20 Januray 2015

Saudi Somal

ሶማል ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ፣ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝተበርከተላ ተሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብ ሮይተርስ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ከረጋግጾ ይኹን ክኽሕዶ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብ ስዑዲ ዓረብ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክልገሰሉ ከምዝጸንሐ ግና ኣይከሓደን።

እቲ ካብ ነዊሕ ኣዋን ካብ ስዑዲ ክልገስ ዝጸንሐ ፊናንስያዊ ሓገዝ ምስቲ ምስ ኢራን ዝነብሮ ዝምድና ምብታኹ ዘተኣሳስሮ ነገር ከምዘየለ’ውን እቲ መንግስቲ ገሊጹ።

 

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝርከቡ ኤምባሲታት ስዑዲ ዓረብን ሶማልያን ዝተለዋወጥዎ ደኩመንታት ከም መርትዖ ዘቕረብ ሮይተርስ፣ መንግስቲ ሶማል ምስ ኢራን ዝነበርኦ ዝምድና ዝበተኸሉ ዕለት 7 ጥሪ 2016፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከኣ 50 ሚልዮን ዶላር ንምልጋስ ከምዝተሰማምዐ’ዩ ዘረድእ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ጅቡቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ፣ ብክሊ ማይ ባብ ኤል መንደብ ንዝሓልፋ ንግዳውያን መራኽባ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይምጽኣላ ገሊጻ።

በዚ ጅቡት፣ ኤርትራን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ መራኽብ ኢራን ካብን ናብ ኢራንን ሃገራት ኤውሮጳን መዓልታዊ ከምዝመላለሳ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ቲ ጅቡቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ፣ መራኽብ ኢራን መሰናኽል ክገጥመን ይኽእል’ዩ ንዝብል ወረ፣ ዳይረክተር ነዳዲ ናይ ዘመላልሳ መራኽብ ኢራን ነስረላህ ሳርዳሽቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ክሊ ማይ ብኣህጉራዊ ሕግታት ስለዝቕየድ፣ ሓንቲ ሃገር በይና ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዋ ኣረዲኡ።

ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ዘዋስነን ሃገራት መብዛሕተን ምስ ኢራን ዝነበረን ዝምድና ክበትካ እንከለዋ፣ ኤርትራን ግብጽን ምስ ስዑዲ ዓረብ ስልታዊ ዝምድና መስሪተን እኳ እንተኾና ምስ ኢራን ዝጸንሀን ዝምድና ምሉእ ብምልእ ኣይበተኻን።

ኤርትራ፣ ንስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ብምርግጋጽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ’ታ ንግስነት ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውግዒ ከምዝኾነነት ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0