ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ኣብ ፓሪስ ተጋቢኦም

ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ኣብ ፓሪስ ተጋቢኦም

Radio Erena: 18 August, 2014

Sudan opp

ተቓወምቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝወደብዎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ብፖሊስ ተበቲኑ።

እቲ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብመንግስቲ ዝቖመ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ክካየድ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብታ ሃገር ተቀይዶም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ንምጽዋዕ’ዩ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብኣጋጣሚ’ቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ተሳቲፉ ናብ ካርቱም ዝምለስ ንዝነበረ ሳዲቕ ኣልማህዲ ንምቕባል ዝተወደበ’ዩ።

 

ኣብቲ ብኣዋጅ ፓሪስ ዝተገልጸ፣ ብ8 ነሓሰ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ኣኼባ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ንኣልበሽር ብወትሃደራዊ ጎነጽ ንምእላይ ዝተኣኻኻደባ ውድባት ዘቖመ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ማሊክ ኣጋርን፣ መራሒ ሃገራዊ ሰልፊ ዑማ ሳዲቕ ኣልማህድን ብኣካል ተራኺቦም ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ተመያይጦም።

ሰውራዊ ግንባር ሱዳን፣ ንተቓወምቲ ውድባት SPLM ናይ ሰሜን- ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ከምኡ ድማ ተቓወምቲ ዳርፉርን ዝሓቖፈ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ፓሪስ ኣኼብኡ ድማ ንክልተ ወርሒ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ ንምትግባር’ውን ወሲኑ።

እንተኾነ፣ እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ንዝንቐሳቐሱ ተቓወምቲ SPLM ናይ ሰሜን ሓይሎም ንኽድልቡ ግዜ ዝህብ ስለዝኾነ ከምዘይቕበሎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ዶክተር ኢብራሂም ጎንዶር ኣቢሉ ኣፍሊጡ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0