ጅቡትን የመንን፣ ኣብ ጉዳያት መጓዓዝያ ባሕሪ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

ጅቡትን የመንን፣ ኣብ ጉዳያት መጓዓዝያ ባሕሪ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 18 August, 2014

Dji Yem

የመንን ጅቡትን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳን መጓዓዝያ ባሕርን ብሓባር ንኽሰርሓ ዝዓለም ዘተ ኣካይደን።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን፣ ሓሙድ ኣል ዖደይኒ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ኣብ ስትራቴጂያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ የመንን ጅቡቲን፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ሰብን ንብረትን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዱ።

 

እቲ የመናዊ ዲፕሎማሰኛ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ምግፋፍ ዓሳን መጓዓዝያ ባሕርን ብሓባር ክሰርሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ምስ ሓላፊ ኣገልግሎታት ወደብ ጅቡቲ ዑመር ገለ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ድማ፣ ወደባትን ዓደንን ጅቡትን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ሓበሬታ ክለዋወጣን ኣብ ዝብል ነጥቢ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም።

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ዓዋድ ኣልሶኮርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣምባሳደራት ኤርትራ፣ ኣልጀርያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ዝዝከር’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0