ብግብጺ ዝቐረበ እማመ ሰላም ሱዳን፤ ብፖለቲካውያን ሓይልታት ተነጺጉ

Radio Erena: 22 January 2023

ግብጺ፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘቕረበቶ እማመ ንዘተ ሰላም ብሓያሎ ተቓወምቲ ሓይልታት ተነጺጉ።
ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ብቀዳም 21 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ንወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ከምዘይሳተፍ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ልፍንቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብወገኑ፣ እቲ ግብጺ ተዳልዎ ዘላ ናይ ዘተ መኣዲ፣ ነቲ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ወግዓውነት ዝህብ ስለዝኾነ፣ ንምስታፍ ቅሩብነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
መራሒ ፖለቲካዊ ሰልፊ በዓስ የሕያ ኣል ሑሰይን፣ ንራድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ሰበስልጣን ካይሮ፣ ነቲ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዘይምሃቦም፣ ዕላምኡ ኣብ ዘይንፈልጦ ዋዕላ ክንሳተፍ ፍቓደኛታት ኣይኮናን’ ኢሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር፣ ብካልእ ወገን ከኣ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን በብወገኖም ዘቕረቡዎ እማመ ሰላም ሱዳን፣ ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0