ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓይልታት ባሕሪ ሩስያን ቻይናን ኣብ ክሊ ማያ ሓባራዊ ልምምድ ከካይዳ ምፍቃዳ ንሃገራት ምዕራብ ኣስጊኡ

Radio Erena: 20 January 2023

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓይልታት ባሕሪ ሩስያን ቻይናን፣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ክሊ ማያ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ፈቒዳ።

እታ ሃገር፣ ኣብቲ ካብ 17 ክሳብ 27 ለካቲት ፣ ኣብ ገማግም ደርባንን ሪቻርድ በይን ዝካየድ፣ ግዙፍ ወትሃደራዊ ልምምድ ሩስያን ቻይናን ክትጽንበር ምዃና’ውን ኣፍሊጣ ኣላ።

ኵናት ሩስያን ዩክሬይን ዝጀመረሉ፣ 24 ለካቲት፣ ሓደ ዓመቱ ኣብ ዘቑጽረሉ ዕለት’ዩ፣ እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት መዘንኡ፣ ናለዲ ፓንዶር፣ ብዛዕባ እቲ ልምምድን ካልእ ክልተኣዊ ጉዳያትን ንምምይያጥ ናብታ ሃገር ከምርሕ’ዩ።

ሩስያ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኵናት ምኽፋታ ካብ ምዅናን ዝተቖጠበት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጉዳይ እተን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ጸግዒ ከምዘይትሕዝን ዘለወን ምስሕሓብ ድማ ብዘተ ክፈትሓን ‘ያ ትላቦ።

ምስ ሃገራት ምዕራብ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንሩስያ ኣብ ርእሲ ዘይምዅናና፣ ዝመጽእ ወርሒ፣ ን10 መዓልታት ምስ ቻይና ንዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ክሊ ማያ ምፍቃዳ፣ ሃገራት ምዕራብ ብስግኣት ይጥምትኦ ኣለዋ።

ኣብ ሓምለ 2023፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዋዕላ ወዲባ ዘላ ሩስያ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ፖለቲካ ጽልዋ ንምፍጣር እተካዶ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትንቀሳቐስ ምህላዋ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0