ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ ፕረዚደንት ሮበትር ሙጋበ፣ ቅድሚ ወርሒ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብጌጋ ደጊሙ ንፓርላማ ኣንቢብሎም

ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ ፕረዚደንት ሮበትር ሙጋበ፣ ቅድሚ ወርሒ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብጌጋ ደጊሙ ንፓርላማ ኣንቢብሎም

Radio Erena: 17 September 2015

Mugabe

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣቐዲሙ ንህዝቢ ዘንበቦ መልእኽቲ ብጌጋ ንፓርላማ ደጊሙ ምንባቡ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ።

እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሓደ ወርሒ፣ ካብ ወረቀት እናንበበ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ትማሊ ድማ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ደጊሙ ከምዘንበቦ ጋዜጣታት እታ ሃገር ይወቕሳ ኣለዋ።

ሮበርት ሙጋበ ኣብ ፈለማ ፈሊጡ ዝደግሞ ዘሎ እኳ እንተመሰለ፣ ድሒሩ ብዝተረጋገጸ ግና፣ ብጌጋ ከምዘለዎ ደጊሙ ከምዘንበቦ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 

ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፣ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሓደ ወርሒ እንታይ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ’ውን ክሳብ ምርሳዕ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ምስ ዕድመን ጥዕናን እናተሓሓዙ ይገልጽዎ ኣለዉ።

91 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ፓርላማ ካልእ ኣገደስቲ ኣኼባታትን ብምድቃስ ዝልለ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ’ውን ካብ መገሻ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምውዳቑ ምስ እርጋን ብምትሕሓዝ ማዕከናት ዜና ምግላጸን ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ 27 ካብ ዓጀብቱ ካብ ስራሕ ሰጕጉ’ዩ።

ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትጥቐስ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ናይ ልዕሊ 35 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ ሓንቲ ካብተን ብድኽነት ዝልለያ ሃገራት ዓለም ኮይና ኣላ።

ኣስታት 3 ሚልዮን ካብ ዜጋታት’ውን ስራሕን ዝሓሸ መነባብሮን ንምርካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ እትርከበን ሃገራት እቲ ዞባ ከምዝተሰዱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዚምባብዌ ብዝቕባባ ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ዝቕባበ ናይ ገዛ ርእሳ ባጤራ ዘይብላ ሃገር’ያ።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብዚ ቅድሚ ወርሒ ዘመሓላለፎን ንፓርላማ ድማ ደጊሙ ዘንበቦን መልእኽቲ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባር ካብ ቻይና ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ወፍሪ ዕድላት’ዩ ጠቒሱ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0