ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ

ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ

Radio Erena: 18 September 2015

zers

ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 11 ውድድር መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቅድድም ፍርቂ ማራቶን ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ቀዳማይ ኮይኑ ብምውጻእ ወርቂ ማድልያ ተዓዊቱ።

ትማሊ 17 መስከረም ዝተኻየደ ቅድድም፣ ኤርትራዊ ኣትለት ህዝቅኤል ተወልደ’ውን ሳልሳይ ኮይኑ ብምዕዋት ነሓስ ማዳልያ ተሰሊሙ።

ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኬንያዊ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ኤርትራዊ ሳምሶን ገብረዮሃንስ ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻውዓይ ድማ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

 

ኤርትራ ኣብዚ ካብ 4 ክሳብ ጽባሕ 19 መስከረም ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ዝካየድ መላእ ጸወታታ ኣፍሪቃ ማለት ኦል ኣፍሪካን ጌይምስ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታን ጉያ እግሪን ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊባ ኣላ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0