ብምክትል ፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

ብምክትል ፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 19 November 2018

Turkish VP

ብምክትል ፕረዚደንት ፋውት ኦክታይ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ሰኑይ 19ሕዳር ካርቱም ክኣቱ’ዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ምክትሉ ባክሪ ሓሰን ሳልሕን ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ብዛዕባ ዘሎ ርክባት ክመያየጡ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ፣ ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝካየድ መበል 15 ሓባራዊ ኮሚሽን ቁጠባ ሱዳንን ቱርኪን ክሳተፍ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ኣናዶሉ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ወግዓዊ ምብጻሕ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ናብ ሱዳን፣ ክልትኤን ሃገራት ጥቡቕ ወትሃደራውይን ቁጠባውን ዝምድና ንምምስራት ይሰርሓ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ጥራይ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ቱርኪን ሱዳንን ናብ 10 ቢልዮን ዶላር ክብ ንምባሉ ውጥን ከምዝሓንጸጹ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት መደብ ከምዝተሓንጸጸ’ዩ ዝግለጽ።

ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ምኽፋት ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

ቱርኪ፣ ብሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝረከብ ወደብ ስዋኪን ንምሕዳሱን ኣብቲ ከባቢ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛምን ትሰርሕ ከምዘላ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0