ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ በጺሑ

ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 18 November 2018

mekele2ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ከምዝበጽሐ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝኽፈት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ’ውን ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ብምኻድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከይሓተቱ መነባብሮኦም ጀሚሮም ከምዘለዉ ይሕብር።

ዝበዝሑ ካብቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ እውን፣ ኣብ ክንዲ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝዑቆቡ፣ ብስራሕ ነብሶም ክኢሎም ስድራቤቶም ክሕግዙ ብምባል ናብ ከተማታት ይውሕዙ ከምዘለዉ ይግለጽ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ናይ ጸጥታ ስምምዕ፣ ሓያሎ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ተደለይቲ ንዝበሉዎም ውልቀሰባት ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከምዝመለሱዎም ተፈሊጡ።

ሓያሎ ካብ’ቶም ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ንኢትዮጵያ ከይዶም ዳሕራይ ምስተመልሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ውልቀሰባት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ከምዘለዉ ይግለጽ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0