ብምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ዋሽንግተን፣ ናብ ካርቱም ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 January 2021

ብምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣንድሪው ያንግ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ካብ 26 ክሳብ 27 ጥሪ ኣብ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብምርኻብ፣ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ብዝምልከት ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ውትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ሽበራን ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባትን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት’ውን ዘትዮም።

ድሕሪ’ዚ ርክብ፣ ኣንድሪው ያንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ኣብ ምምሕያሽ መሰላት ደቂ ሰብ ንዘርኣቶ ተበግሶታት ብምምጓስ፣ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ናይ ምስግጋር መድረኽ፣ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲ ሱዳን ደው ከምእትብል ኣረጋጊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብወገኑ፣ ኣብ ጁባ ዝተበጽሐ ስምምዓት፣ ሱዳን ግጭታት ከተወግድን ናብ ዝሓሸ ጸጥታዊ ርግኣት ክትስጉምን መንገዲ ዘጣጠሐ ምንባሩ ኣስሚርሉ።

እቲ ኣመሪካዊ ልኡኽ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳያት ብዛዕባ ክትግበር ዝኽእል ምትሕግጋዛት፣ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሑሰንን ሚኒስተር ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ያሲን ኢብራሂምን፣ ተዘራሪቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ካርቱም ዘምርሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ብሚኒስተር ስለያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ እስራኤል ኣብታ ሃገር ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ስለያ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃን፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን፣ ሪር ኣድሚራል፣ ሄድ በርግ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣዘዘቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ጉዳያት ተመያይጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰን ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ወኪል ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ሶማልን ኬንያን ተመሳሳሊ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ ህሉው ወተሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት እቲ ዞባ ከምዝዘተየ፣ እቲ እዚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0