ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 09 March 2015

French De

ሚኒስተር ምክልኻል ዦን ኢቭ ለ ድራ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ፈረንሳ ጅቡትን ዘሎ ወትሃደራዊ ምትእስሳር ዝያዳ ንምድልዳሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ዝሓለፈ ውንያት ምስ መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ዝነበራ ኣተኩሮ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ካልእ ዘቢሉ ክብል ድሕሪ ምንቃፉ፣ እዚ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ዑደት ይስራዕ ምህላዉ’ውን እታ መጽሔት ኣብ ናይዚ ሰሙን እዚ ሕታማ ኣስፊራ።

 

ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ከካይድ ካብ 2004 ንደሓር ድሕሪ 11 ዓመት እዚ ንመጀመርያ ግዜ’ዩ።

ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ እንከሎ፣ ምስዚ ኣብ የመንን ሶርያን ዘሎ ኩነታት ዝተተሓሓዘ ድማ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራዅብ ኵናታ ናብ ወሽመጥ ዓደን ኣንቀሳቒሳ ምህላዋ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ነታ 25 ነፈርቲ ውግእ፣ ሄሊኮፕተራትን ኣስታት 2 ሽሕ ሰራዊትን ጽዒና እትንቐሳቐስ ‘ሻርል ዲ ጎል’ ዝተሰምየት መርከብ ዝዓጀባ ጭፍራ መራኽብ፣ ገሊኤን ክሳብ ወደብ ጅቡቲ ክጽግዓ ምዃነን’ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ የመን ዝመደበሩ ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ ብወግዒ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ድማ ሓንቲ ፈረንሳዊት ሰራሕተኛ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ የመን ተጨውያ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት፣ ነተን ካብን ናብን ኤውሮጳን ኤስያን ንዝካየድ ንግዳዊ ምንቅስቓሳተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝምርኮስ ፈረንሳን እትርከበን ሃገራት ዓለም ስኽፍታ ፈጡሩለን ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ’ውን ኣብቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት ዘካይዶ ታሪኻዊ ዑደት ኣብዚ ነጥብታት እዚን ካልእ ጉዳያትን ክዝቲ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።
===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0