ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት 72 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ ሓገዝ ከምዘበርከተ ኣፍሊጡ

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት 72 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ ሓገዝ ከምዘበርከተ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 March 2015

AFDB

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሞያዊን ቴክኒካውን ስልጠና ዝውዕል 19 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ 10.7 ሚልዮን ዶላር ብልቃሕ ዝተዋህበ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ 8.3 ሚልዮን ዶላር ግና ብመልክዕ ሓገዝ ዝተለገሰ’ዩ።

ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንልዕሊ 5 ሽሕ ኤርትራውያን ብሞያን ቴክኒኪን ንምስልጣን ዝወጸ ፕሮጀክት 21.1 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዩ’ዩ ተገምጊሙ።

እቲ 19 ሚልዮን ብልቃሕን ብሓገዝን ካብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ክርከብ እንከሎ እቲ ዝተረፈ 2.1 ሚልዮን ዶላር ድማ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ክሽፍኖ ምዃኑ’ዩ ዘመልክተ መግለጺ እቲ ባንክ።

 

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዞባታት ደቡብን ጋሽ ባርካን፣ ኣብ ሕርሻ፣ ኤሌክትሪሲቲ፣ ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይት፣ ምምህርና፣ ምሕደራን ካልእ ሞያውን ቴክኒካንው ስልጠናታት ክውዕል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ እቲ ዝልዓለ ኣበርክቶ ዘሎ ኮይኑ ካብ 2010 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት 72 ሚልዮን ዶላር፣ ብመልክዕ ልቃሕን ሓገዝን ንተመሳሳሊ ዕላማ ንመንግስቲ ኤርትራ ሂቡ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ፊንላንድ’ውን ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ዘተኮረ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ፕሮጀክታት መደቢ ምህላዉ በብእዋኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብመወልቲ ዝካየድ ፕሮጀክታት ባዕሉ የካይዶ ከምዘሎ ሳሕቲ ድማ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ከምእተሰላሰለ ጥራ’ዩ ዝጠቐስ።

========================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0