ብሓደ ግድሱ ዜጋ ንሓያሎ ዓመታት ተሰኒዱ ዝጸንሐ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኤርትራ ንሬድዮ ኤረና ተረኪቡ

ብሓደ ግድሱ ዜጋ ንሓያሎ ዓመታት ተሰኒዱ ዝጸንሐ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኤርትራ ንሬድዮ ኤረና ተረኪቡ

Radio Erena: 05 June 2017

NP1

ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቅድሚ ምእጋደን፣ ንሓያሎ ዓመታት ሰኒዱወን ዝጸንሐ ግዱስ ዜጋ ብቀዳም 3 ሰነ ንሬድዮ ኤረና ተረኪቡ።

እቲ ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ነቲ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝኸውን ሕታማት ናይ ሸውዓተ ጋዜጣታት ማለት ሰቲት፣ ጽጌናይ፣ ሓዳስ ኣድማስ፣ መቃልሕ፣ ዘመን፣ ቀስተ ደበናን ትርግታን ንልዕሊ 15 ዓመታት ሰኒድዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ መጽናዕታት ከካይድሉ ንዝደልዩ ይኹን ንኻልእ መዓላታት ንክጥቐምሉ፣ ግዱሳት ዜጋታት ብቀሊሉ ክረኽብዎ ካብ ዝብል ሕልና’ዩ ንሬድዮ ኤረና ኣረኪብዎም።

እዘን ጋዜጣታት ካብ 18 መስከረም 2001 ብወግዒ ድሕሪ ምእጋደን፣ ኣዳለውተንን ሓያሎ ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲን ከካብ ዝነበርዎ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ከብሒታት ሚኒስትሪ ዜና ይኹን ካልኦት ኣብያተ ንባብ ንዝነበረ ሰነዳት እዘን ጋዜጣታታት ብምእካብ፣ ካብ ገጽ ታሪኽ ኤርትራ ንምሕካኸን ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ’ውን ኣይርሳዕን።

NP2

እንተኾነ፣ ዝተፈላልዩ ግዱሳት ዜጋታት ይኹን ካልኦት ኣካላት፣ በብውልቆም ዝሰነድዎ ሕታማት እዘን ጋዜጣታት በብእዋኑ ክቀላቐል ይርአ’ዩ።

እዚ ንብዙሕ ሕታማታ ብፍላይ ድማ ቅድሚ መስከረም 2001 ንዝነበሩ ፍጻሜታት ዝሰነደ ጋዜጣታት ብሕቲ ብውልቁ ሰኒዱ ዝጸንሐ ግዱስ ኤርትራዊ፣ ነቲ ጋዜጣታት ቅድሚ ሒደት እዋናት ካብ ኤርትራ ብምስጢር ከምዘውጽኦ’ዩ ዘመልክት።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0