ርክብ ሰበ ስልጣን ሱዳንን ግብጽን ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

ርክብ ሰበ ስልጣን ሱዳንን ግብጽን ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

Radio Erena: 05 June 2017

Sud Egy 2

ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ብግብጺ ንዝቐረበሉ እማመ ስምምዕ ዶብ ከምዝነጸጎ ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ መልእኽቲ ብ2 ሰነ ንፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ካይሮ ድሕሪ ምርካቡ፣ መንግስቲ ግብጺ ኣዳልዎ ንዝጸንሐ ናይ ስምምዕ ነጥብታት ከምነጸገ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ግብጺ ብዛዕባ’ቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕባ ዘሎ ዋንነት ዞባ ሓላይብን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንዝካየድ ምንቕስቓስ ሰባትን ኣቑሑን ብዝምልከት ዘዳለወቶ እማመታት ስምምዕ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ሱዳን ኣቲ ስምምዕ ከምዘየርብሓ ብምጥቃስ’ያ ነጺጋቶ ዘላ።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0